ኣብ ሶርያ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሙ ኣብ ጀርመን ዑቕባ ዝሓተተ ኮለነል፣ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 13 January 2022

ኣብ ኵናት ሶርያ፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሙ ተባሂሊ ዝተኸሰሰ፣ ኮለነል ኣንዋር ራስላን ዝተባህለ ሓታቲ ዑቕባ፣ ኣብ ጀርመን ንሕልፈት ክእሰርት ተፈሪዱ።

እቲ ወዲ 58 ዓመት ሶርያዊ፣ ኣብ 2011 ከምኡ ድማ 2012፣ ‘ጨንፈር 251’ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ፣ ኣብ ደማስቖ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣል ካቲቢ፣ ብውሕዱ 27 ሰባት ብግፍዒ ከምዝቐተለ’ዩ ተኸሲሱ።

ንሱ፣ ኣብ 2012 ከም ተራ ስደተኛ ተመሲሉ ካብ ሶርያ ሃዲሙ፣ ኣብ ጀርመን ዑቕባ ሓቲቱ።

ብቀረባ ዝፈልጥዎ ሶርያውያንን መቕርብ ግዳያትን፣ ክሲ ምስ መስረትሉ፣ ካብ 2020 ኣትሒዙ ጉዳዩ ምጽራይ ክግበረሉን ብቤት ፍርዲ ጀርመን ክርአን ጀሚሩ።

ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኣስታት 80 ዜጋታት ሶርያን 12 ድማ ኣባላት ናይቲ ብስርዓት ባሻር ኣልኣሳድ ዝምራሕ መንግስቲ ዝነበሩን፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብሞት ሓያሎ ሰባት ዝተኸሰሰ ኣንዋር፣ ምስክርነቶም ሂቦም።

ኣኽባር ሕጊ ጀርመን፣ ብዝኣከቦ ሓበሬታ ብሞት 48 ሰባትን ኣብ ልዕሊ 4 ሽሕ ካልኦት ድማ ግፍዕን ስቅያትን ብምፍጻሙ ‘ዩ ከሲስዎ።

ቤት ፍርዲ ጀርመን፣ ቅትለት ናይቶም 27 ከረጋግጽ እንከሎ፣ ናይ ዝተረፉ መርትዖታት ክረኽበሉ ከምዘይክኣለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ብሓሙስ 13 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ ብይን፣ እቶም ኣብ ሶርያ፣ ብግፍዒ ናይዚ ኮለነል ዝተቐትሉ ሰባት፣ ክብሪ ይግብኦም’ዩ ብምባል፣ ነቲ ገበነኛ ንሕልፈት ክእሰር ወሲኑ።

ምስ ኮለነል ኣንዋር ብተመሳሳሊ ገበን ዝተኸሰሰ፣ ዒያድ ኣል ጋሪድ ዝተባህለ ካልእ ሶርያዊ’ውን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ክእሰር ተበይንሉ’ዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኮለነል ኣንዋር ዝተወስደ ሕጋዊ መስርሒ፣ ነቶም ኣብ ዓዶም ብዙሕ ገበናት ፈጺሞም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ብምሕታት ዝነብሩ ዘለዉ ይኹን ብሕጂ ንዝሓስቡ፣ ካብ ሕጊ ከምልጡ ከምዘይክእሉን ዝተበደሉ ድማ ፍትሒ ክረኽቡ ተኽእሎ ከምዘሎን ዘጉልሕ ኣብነት’ዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0