Radio Erena: 18 December 2021
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ንዝበሃል ምግሃስ መሰላት እትምርምር ጉጅለ ክትቀውም ኣብ ስምምዕ በጺሑ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ብዓርቢ 17 ታሕሳስ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ፣ ብ21 ኣባል ሃገራት መርማሪት ጉጅለ ክትቀውም ክድግፋ እንከለዋ፣ ሩስያን ቻይናን ዝርከበአን 15 ሃገራት ከኣ ተቓዊመን።
ኣብቲ መስርሕ ምድማጽ፣ 11 ኣባል ሃገራት ድምጸን ካብ ምሃብ ተቖጢበን።
እዛ ብሰለስተ ኣባላት እትቐውም መርማሪት ጉጅለ፣ ዕማማ ንኸተሳልጥ ናይ ሓደ ዓመት ስልጣን ተዋሂቡዋ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቛም ናይዛ መርማሪት ጉጅለ ብትሪ ከምዝቃወሞ ብኡ ንብኡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዘነበ ከበደ ኣብቲ መጋባእያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሓባር ዘቖሙዋ ጉጅለ ስርሓ እንዳካየደት እንከላ፣ ሓድሽ ጉጅለ ምቛም ትርጉም የብሉን’ ብምባል፣ መንግስቱ ምስታ ሓዳሽ ትቐውም ጉጅለ ክተሓባበር ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።
ምኽትል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ናዳ ኣል-ናሺፍ ብወገና ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተወለዐ ውግእ ሓድሕድ፣ ብኩሎም ወገናት ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ’ዩ ኢላ። ንሳ ብተወሳኺ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዓሌት ኣተኲሩ ዝካየድ ዘሎ ግፋን መጭወይትን ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ’ዩ ብምባል፣ ሰባት ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጥ ቤት ማእሰርታት ክዳጎኑ ምስማዕ ልሙድ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ ኢላ።
ነዚ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝቐረበ እማመ ምቛም መርማሪት ጉጅለ፣ ሃገራት ምዕራብ ምሉእ ደገፈን ክህባሉ እንከለዋ፣ ዝበዝሓ ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ‘ሽግር ኣፍሪቃ፣ ብኣፍሪቃውያን’ ብምባል ዘለወን ተቓውሞ ኣስሚዐን።
==========================