ኣዲስ ኣበባ፣ ድሕሪ ምእዋጅ ናይ ህጹጽ እዋን፣ ወራር መሬት ገኒኑ ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ እታ ከተማ ገሊጹ

Radio Erena: 01 December 2021

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጁ፣ ወራር መሬት የስፋሕፍሕ ከምዘሎ፣ ንሓላፊ ጸጥታ እታ ከተማ፣ ቀንዓ ያደታ ብምጥቃስ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ኣመልኪታ።

ኣብታ ከተማ፣ ነዚ ዘሎ ዘይምርግጋእ መዝሚዞም፣ ብውልቂን ብጉጅለታትን፣ መሬት ዝወሩ ኣካላት እናበዝሑ ይመጽኡ ከምዘለዉ’ዩ እቲ ሓላፊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

መሬት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምውራር ከቢድ ገበን ስለዝኾነ፣ ካብቲ ህወሓት ይፍጽሞ ኣሎ ዝበሎ ተግባራት ዝፍለ ኣይኮነን ክብል’ዩ ዶ/ር ቀንዓ ያደታ ገሊጹ።

ኵናት ትግራይ፣ ካብ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን ሓሊፉ ናብ ሰሜን ሸዋ ምስ በጽሐ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣትን ሸበድበን’ያ ትርከብ።

ነዚ ዘሎ ኩነታት ተጠቒሞም፣ ኣብ ዝምታን ዘረፋን ዝተዋፈሩ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን እናበዝሑ ይመጽኡ ምህላዎም ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሓለፍቲ ጸጥታን ኣዘዝቲ ፖሊስን’ውን ነቲ ዘይርጉእ ኩነታት ናብ ውልቃዊ ረብሓታቶም ብምልዋጥ፣ ማሕፉዳታቶም የህጥሩ ምህላዎም ወቐሳታት ይስማዕ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0