ትዊተር፣ ንኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝመሓላለፍ መልእኽታት ጽጽያ ክገብር ጀሚሩ

Radio Erena: 07 November 2021

ሓደ ካብ ዓበይቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝኾነ ‘ትዊተር’፣ ንኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝመሓላለፍ መልእኽታት ጽጽያ ክገብር ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ኣካየድቲ’ቲ ትካል ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓበሬታ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ናይ ኲናት ሃዋሁው ስዒቡ ንዓሌታዊ ጽልኢ ዝጉስጉስ መልእኽታት ኣብ መድረኹ ከይእንገዱ ክከላኸል ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ‘ኣብ ውልቀሰባት ኣካላዊ መጉዳእቲ ከይወርድ’ ብዝብል ዝወጸ ጽጽያ ጽሑፋት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድ-ሕድ ጎነጽ ንኽለዓል፣ መሳርሒ ከምዘይከውን ንምፍላጥ ዝዓለመ እዩ ክብሉ ኣካየድቲ’ቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣፍሊጦም።
ኣቐድም ኣቢሉ፣ ፈይስቡክ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ካብ ገጻቱ ከምዝእለይ ምግባሩ፣ ኣብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ቁጠዐ ፈጢሩ’ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ መልእኽቱ፣ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኲናት ክኸትት እዩ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኔሩ።
ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ‘ከም ፈይስቡክን ሮይተርስን ዝኣመሰሉ ምዕራባውያን ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሃን፣ ሰላምና ንምዝራግን፣ ኣብ ህዝብና ዘይምርግጋእ ንምፍጣርን ይሰርሑ ኣለዉ’ ክብል ከሲሱ’ዩ።
ጎድኒ-ጎድኒ’ቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት፣ ወጻኢ ካብታ ሃገር’ውን ናይ ዲፕሎማሲን ሓበሬታን ቁርቁስ፣ ናጻ ጋዜጠኛታት ናብቲ ከባቢ ምእታው ምእጋድ ተደሚሩዎ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀኛ ፍጻሜ ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ገይሩዎ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0