መንግስቲ ሶማል ንሓደ ካብ ወከልቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ሰጒጉ

Radio Erena: 07 November 2021

መንግስቲ ሶማል ንሓደ ካብ ወከልቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝሰጎገ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ሳይመን ሙሎንጎ ዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዓቃብ ሰላም፣ ‘ምስ መዝነት ኣሚሶም ዘይቃዶ ንጥፈታት ኣካዪዱ’ ክብል እዩ መንግስቲ ሶማል ዝኸስስ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ በዓል ስልጣን ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት ጠቕሊሉ ካብ ሶማል ክወጽእ ውሳኔ ከምዝተመሓላለፈ ኣፍሊጡ።
እቲ ወኪል ኣሚሶም ኣብ ከተማ ሞቓድሾ፣ ጠንቂ ናብ ምስጓግ ዘብጸሖ ምኽንያት ብንጹር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ምስ ሃገራዊ ጸጥታ ብዝተኣሳሰር፣ ካብ መዝነቱ ወጻኢ ኣብ ካልእ ንጥፈታት ተዋፊሩ ዝብል ክሲ እዩ ቀሪቡሉ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፣ መሓመድ ዓብዲረዛቕ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተመዘዙ ሓለፍቲ ዓቃብ ሰላም፣ ልዕሊ ሕገ መንግስቲ ሶማል ከምዘይኮኑ ክፈልጡ’ለዎም ክብል ገሊጹ።
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0