Radio Erena: 04 November 2021
ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ንምዝታይ፣ ህጹጽ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዝጸውዐ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረበ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፣ ሓይልታት ትግራይ ናብ ዘተ ክቐርቡ ፍቓደኛ ብዘይምዃኖም ከምዘሻቐሎ ኣመልኪቱ።
ካብዚ ተበግሱ፣ ብዛዕባ ኣሻቓሊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ን16 ሕዳር ኣኼባ መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክካየድ ጻውዒት ምቕራቡ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ጠቒሱ።
ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ከይፈርስ ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ዶባታ ጸጥታዊ ስግኣት ከይፍጠር፣ ኣብ ተጠንቐቕ ከምዘላ ዝገለጸት ኬንያ ብወገና፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኵናት ብህጹጽ ደው ከብሉ ተማሕጺና።
ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዘቕረቦ ምሕጽንታ፣ እቲ ኵናት ንምሉእ ኢትዮጵያ ናብ ዝለከመ ደረጃ ዓሪጉ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ተወሳኺ ሞትን ስቓይን ህዝቢ ንምውጋድ ክልቲኦም ወገናት ኵናት ደው ብምባል ናብ ዘተ ክቐርቡ ተላብዩ።
ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ኣዲስ ኣበብ ወጻኢ ጸጥታ እታ ሃገር ከውሕስ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ከምዝወደቐ’ዩ ዝንገር ዘሎ።
===================
COMMENTS