ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራረቡ

Radio Erena: 04 November 2021

ሓይልታት ትግራይ፣ ብቅልጡፍ ናህሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግስግስሉ ዘለዉ እዋን፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን ናብታ ሃገር ብምእታው ብዛዕባ ህልው ኩነታት ይመያይጥ ኣሎ።

እቲ ኣምባሳደር፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዘተ፣ ምስ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሙሳ ፋኪን ፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበረ፣ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆን ብምርዃብ ተመያይጡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሓጺሩ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓጸረ ከይፈርስ ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ኣንትዮንዮ ጉተረሽ’ውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብቴሌፎን ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ነቲ ኵናት ደው ንምባል ንኩሎም ወገናት ናብ መኣዲ ዘተ ንምቅርራቦም ክጽዕር ከምዝኽእል ከምዝገለጸሉ ብትዊተር ሓቢሩ።

ምስ ህወሓት ከምዘይዝቲ ክገልጽ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ወዲቓትሉ ኣብዘላ እዋን፣ ንፖለትካዊ ዘተ ቅሩብ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይጠቕሱ እኳ እንተለዉ፣ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝምርሽ ዘሎ ሓይልታት ትግራይ ዝቕበሎ ኣይመስልን ክብሉ ትንታነታቶም ይህቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሎሚ ዶ ጽባሕ ይፈርስ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜን፣ ብፍላይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣትን ሻቕሎትን ከምእትርከብ ነበርታ ብግሁድ ይገልጹ ኣለዉ።

ሓይልታት ትግራይ፣ ንደሴን ኮምቦልቻን ሓሊፎም፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውስድ ኣውራ ጽርግያ ንእትርከብ ከተማ ከሚሲን ድሕሪ ምቑጽጻሮም፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደብረብርሃን ዝወስድ መንገዲ ተዓጽዩ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቶም ሓይልታት ብክልል ዓፈር’ውን ናብቲ ምስ ወደብ ጂቡቲ ዘራኽብ መስመር ሚለ ይግስግሱ ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪ 2 years ago

    ሓደ ርግጽ ነገር ኣሎ። ደጊም፡ ኢትዮጵያ ንወያነ ኣጥፊኦም ዋላ ትግራይ እንተኣተዉ፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ተሳንዮም ከም ሓደ መንግስቲ ክነብሩ ዝኽእሉ ኣይመስለንን። ብኣንጻሩ ድማ፡ ወያነ ብኹናት ንመንግስቲ ዋላ እንተውደቖ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንግስትነት ሒዙ ድሕሪ ደጊም እዚ ኹሉ ደም ተቓቢእካ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከምሓድር ዘይሕሰብ’ዩ።
    ስለዚ፡ ኢትዮጵያ ልክዕ ከም ሱዳን ኣብ ሕንፍሽፍሻ’ያ።