ኣማኢት ወትሃደራት ኤርትራ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ግዒዞም

Radio Erena: 22 October 2021

ኣማኢት ወትሃደራት ኤርትራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝገዓዙ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ካብ ሓሙስ 16 መስከረም ክሳብ ሰሉስ 20 መስከረም፣ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ በብእዋኒ ብበጣሓት ተጻዒኖም ዝመጹ ወትሃደራት ኤርትራ፣ ብናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኸዱ ምንባሮም እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ተደጋጋሚ እዋን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ዝዓልባ ዝነበር ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ዝበዝሐ እዋን ተሳፋሪ ዘይብለን ይመጻ እኳ እንተነበራ፣ ሳሕቲ ድማ መንነቶም ዘይተፈልጡ፣ ገሊኦም ወትሃደራዊ ልብሲ ገሊኦም ድማ ሲቪል ዝተኸድኑ ሰባት ክወርዱ ከምዝተራእዩ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

እቶም ካብ ባጽዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገዓዙ ወትሃደራት ኤርትራ፣ ናይ መወዳእታ ዝወፈርሉ ተልእኾ ኣይተፈልጠን።

ምስ ትግራይን ክልል ዓፈርን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ብጻዕቒ ሰራዊት ኣዋፊሩ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ዝተኻየደ ኵናት ብዛዕባ ምስታፉ’ውን ራድዮ ኤረና ዛጊት ከተረጋግጾ ኣይከኣለትን።

ስእሊ፦ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ (ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት)

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0