Radio Erena: 05 October 2021
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።
ኣብይ ኣሕመድ፣ ብዓብላሊ ድምጺ ፓርላማ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ድሕሪ ምምራጹ’ዩ፣ ብሰኑይ 4 ጥቅምቲ 2021፣ ሓድሽ ዘመነ ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ።
ካብ ተሸላሚ ኖቤል፣ ናብ ናይ ኵናት እዋን መራሒ ዝተሰጋገረ ኣብይ ብዝብል ኣርእስቲ፣ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓለን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ንተቐባልነቱ ዝበድሃ’የን ክብል ገሊጹ።
ተመራማሪ ኣትላንቲክ ካውንስል፣ ካሜሮን ሁደስን ብወገኑ፣ ከም ናይ ኣብይ ኣሕመድ ዓይነት፣ ካብ ዓቢ ክብሪ ብሕምባበ ክወድቑ ምርኣይ፣ ንምግማቱ’ውን የጸግም’ዩ ኢሉ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት፣ ካብ ዝልዓለ ክብሪ ስልማት ኖቤል ናብ ዕሉል መላኺ ዝወረደ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ሓደስቲ ተካእቲ መራሕቲ፣ ባዶሽ ተስፋታት ሂቦም ናብ ስልጣን ብምምጻእ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ከታልሉ እዚ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ሓድሽ ተርእዮ ከምዘይኮነ ‘ውን ደምዲሙ።
ብሰልፊ ብልጽግና ቆይሙ ዘሎ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራቱን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱን ዝተጋነነ ለውጥታት ከምዘይህልዎ ይግመት።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ነዚ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ዝዓበየ ብድሆታቱ፣ ኵናት ትግራይን ብናህሪ ቁልቁል ዝንቖት ዘሎ ቁጠባ ኢትዮጵያን’ዩ።
========================