ፖርት ሱዳን ብሰንኪ ኣድማ ብምዕጻው፣ ቀረባት መግቢ መድሃኒትን ነዳዲን ይውዳእ ከምዘሎ ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ገሊጹ

Radio Erena: 05 October 2021

ኣብ ሱዳን፣ ወደብ ፖርት ሱዳንን ካብ ናብን ዝወስድ ኣውራ መንገዲታትን፣ ምንቅስቓስ ህዝቢ ቤጃ ብዘካየዶ ዘሎ ኣድማ ድሕሪ ምዕጻው፣ ከም መግቢ፣ መድሃኒትን ነዳዲን ዝኣመሰላ ቀረባት እናተወደአ ከምዝመጸ ካቢኒ ሚኒስትራት እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ካቢኒ፣ ብ03 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ተቓውሞ ህዝቢ ቤጃ ፍትሓውን መሰል ዜጋታትን ምዃኑ እኳ እንተኣመነ፣ ንወደብ ፖርት ሱዳን ምስ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ዘራኽብ ኣውራ ጎደናታት ምዕጻው ግና፣ ንረብሓ ህዝቢ ሱዳን ዝጎድእ’ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳንን ንዘሎ ፍሕፍሐ ንምእላይ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምንዳይ ዝከኣሎ ክጽዕር ምዃኑ እቲ ካቢኒ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ሳልሳይ ሰሙኑ ኣቝጺሩ ዘሎ ህዝባዊ ኣድማ፣ ንወደብ ፖርት ሱዳንን ካብ ናብን እታ ሃገር ዘራኽብ ኣውራ መንገድታት ዓጽዩ ይርከብ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ኣድማ ንምህዳእ ጉጅለ ካቢኒ ሚኒስተራት ናብ ፖርት ሱዳን ብምልኣኽ ምስ መራሕቲ ምንቅስቓስ ህዝቢ ቤጃ- ወይ ናዚሪስ ከምዝዘተየ እኳ እንተተገልጸ፣ ንመዓልታት ዝጸንሐ ግዝያዊ ፍታሕ እንተዘኮይኑ፣ ንጥፈታት ፖርት ሱዳን ምሉእ ብምሉእ ናብ ስርሑ ክመልሶ ኣይከኣለን።

ምንቅስቓስ ህዝቢ ቤጃ፣ ኣብ ጁባ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላም እታ ሃገር ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ብዝብል’ዩ ኣድማ ክካየድ ጸዊዑ።

ካብ ብሄረ ቤጃ ዝኾኑ ቀቢላ ሃደንደዋ፣ ነቲ ብናዚሪ ናይ ቤጃ ዝተወደበ ኣድማ ዝቓውም ሰለማዊ ሰልፍታት ኣካይዶም’ዮም።

ምብራቕ ሱዳን፣ ካብ ብሄረ ቤጃ ብዝኾኑ፣ ቀቢላታት ቢን ዓሚርን ሃደንደዋን ዝተዓብለለ፣ ምስ ኤርትራ ብምድርን ባሕርን ዝዳወብ ሓደ ካብቲ ፖለቲካዊ ርግኣት ዘይብሉ ዞባታት ሱዳን’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0