ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ግብጺ ዑደት ኣካይዳ ንዝተመልሰት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካብ ስልጣን ሰጕጉ

Radio Erena: 15 September 2021

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ኣብ ግብጺ ዑደት ኣካይዳ ንዝተመልሰት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ቢያትሪስ ካማሲ ዋኒ፣ ካብ ስልጣን ኣልዩዋ።

እቲ ፕረዚደንት ነታ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝቖመ ሓድሽ ናይ ሓድነት መንግስቲ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ክትከውን ዝረቖሓ በዓልቲ ስልጣን፣ ኣቐዲሙ ሚኒስተር ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ብዝነበረ፣ ማይክ ኣዪ ደንግ ተኪኡዋ ኣሎ።

ወግዓዊ መግለጺ መንግስቲ ከምዝሓበሮ፣ እታ በዓልቲ ስልጣን ካብ መዝነታ ከምዝተኣልየት እንተዘይኮይኑ፣ ስለምንታይ ኣየነጸረን።

ንሳ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ 8 መስከረም፣ ኣብ ካይሮ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ግብጻዊ መዘናኣ፣ ሳምሕ ሾክሪ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይልን ዝምድና ሃገራ ምስ ግብጺን ብዝምልከት ተመያይጣ ድሕሪ ምምላሳ’ያ ንጽባሒቱ ካብ ስልጣን ተሰጕጓ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0