ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ሩስያ ኣጽዋር ንምርካብ ተቛምት ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 15 September 2021

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ኣጽዋራትን ተተኮስትን ካብ ሩስያ ንምርካብ ተቛምት ከምዘላ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና-CNBC ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ነታ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል፣ ምስ ግብጺ ወጊና ዝበለታ ኣመሪካ፣ ኣብ ትግራይ’ውን ገበናት ኵናት ተፈጺሙ ብዝብል፣ እገዳ ሸመተ ኣጽዋር ከይተንብረላ ስግኣት ከምዘለዋ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ያ ዝልዓለ ጠመተኣ ናብ ሩስያ ኣንቢራ ከምዘላ ዝጥቀስ ዘሎ።

እቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ትንታነ፣ ሩስያ ኣብ ናይጀርያ፣ ኢትዮጵያ፣ ማሊን ሊብያን ብሓፈሽኡ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ጽልዋታታ ንምዕባይ ትሰርሕ ከምዘላ ብምጥቃስ፣ ኣብዘን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ መሸጣ ኣጽዋርን ሓደ ካብቲ ኣፍደገታት ምዃኑ ኣረዲኡ።

ሩስያ ኣብ ሱዳን፣ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጻ ውጥን እኳ እንተነበራ፣ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት በሺር ስልጣን ሒዙ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ግና፣ ዝምድንኡ ምስ ሃገራት ምዕራብ ከደልድል ስለዝመረጸ፣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ምዃኑ ብምጥቃስ ደው ኣቢልዎ ይርከብ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመትታ ዝነበረሉ ረጽምታትን ወትሃደራዊ ኩነታትን ተመሊሱ ስለዝርከብ፣ ንሩስያ ናብቲ ዞባ ንምምላስ ምቹእ ባይታ ፈጡሩ ከምዘሎ ብዝተፈላለዩ ተንተንቲ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ዝበዝሐ ዓቕማ ናብ ኵናት ትግራት ኣኽቲታ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ካብ ሩስያ ሃንቀው እትብሎ ፖለቲካውን ወትሃደራውን ድጋፍ፣ ምስ ቱርኪ’ውን ተመሳሳሊ ስምምዓት ኣካይዳ ትርከብ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0