“ህዝቢ ብሒደት ስልጣን ዝበሓቱ ልሂቃን እንተተረጊጹ፣ ሰራዊት ከናግፎ ሓላፍነት ኣለዎ።” መራሒ ወትሃደራዊ ዕልዋ ጊኒ

Radio Erena: 08 September 2021

ኣብ ጊኒ፣ ንፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ካብ ስልጣን ድሕሪ ዝኣለወ ወትሃደራዊ ዕልዋ፣ ነቲ ዕልዋ ዝመርሐ ኮለነል ማማዲ ዱምቡያ መን’ዩ ዝብል ሕቶ፣ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ወዲ 41 ዓመት ኮለነል ማማዲ ዱምብያ፣ ኣባል እቲ ብፍሉይ ሓይልታት ዝፍለጥ፣ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንት ዝተዋፈረ ሰራዊት’ዩ።

ንሱ ኣቐዲሙ’ዩ፣ ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ክጽንበርዎ ኣብ ዝፍቐደሉ ‘ለዠንየኽ’ ተባህሉ ናይ ዝፍለጥ ኣሃዱ ሰራዊት ፈረንሳ’ዩ ኔሩ።

ብጻውዒት ፕረዚደንት ኮንደ፣ ኣብ 2018 ናብ ጊኒ ዝተመልሰ ኮለነል ማማዲ ዱምቡያ፣ ኣብ ምቛም ፍሉይ ሓይልታት እታ ሃገር ዓቢ እጃም ኣበርኪቱ።

እቲ ኮለነል፣ ኣብዚ 10ዓመታት ዘመነ ስልጣን ኣልፋ ኮንደ፣ ምስቶም ገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ዝተባህለኡ ኣስታት 20 ዝኾኑ ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ሓለፍቲ ጸጥታን ጊኒ ምዃኑ ሰነዳት ሕብረት ኤውሮጳ የቓልዕ።

ንሱ፣ ዕልዋ ድሕሪ ምምርሑ ምስ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ ‘ካብ ጌጋና ተማሂርና ኢና፣ ንህዝብና ክንክሕስ ኢና’ ክብል’ዩ ተሰሚዑ።

ነዚ ዕልዋ ከካይዱ ካብ ዝደረኾም ምኽንያታት ከብርህ እንከሎ ድማ፣ ህዝቢ ጊኒ ግዳይ ብልሽውና፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ዘይብቁዕ ምሕደራ ቁጠባን ኮይኑ እንሃለወ፣ ብስቕታ ክንነብር ኣይመረጽናን ኢሉ።

ፕረዚደንት ነበር ኣልፋ ኮንደ፣ ኣብ ትሕቲኦም ተታሒዙ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ኮለነል ዱምቡያ፣ ምስ ሚኒስተራት እቲ ፕረዚደንት ኣኼባ ብምክያድ፣ ሕነ ምፍድዳይ ዘይኮነ፣ ብሓድነት ሃገርናን ህዝብናን ነድሕነሉ ባይታ’ዩ ክፍጠር ዘለዎ ክብል ከምዝገለጸሎም ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ጠቒሰን።

ሰራዊት ብዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን ክመጽእ የብሉን እናበሉ ንዝቓወምዎ ዘለዎ ኣካላት ድማ፣ ‘ህዝቢ ብውሑዳት ስልጣን ዝበሓቱ ልሂቓን ክርገጽ እንገሎ፣ ሰራዊት ካብቲ ምርጋጽ እቲ ከናግፎ ዕዳ ኣለዎ’ ክብል ደምዲሙ።

ኮለነል ማማዲ ዱምብያ፣ ኣብ ናይ 15 ዓመታት ናይ ውትህድርና ዘመኑ፣ ኣብ ኣይቮሪኮስት፣ ኣፍጋኒስታን፣ ጂቡቲ፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ፣ ቆብሮስን ካልኦት ሃገራትን ብተልእኾ ተዋፊሩ፣ ንፈረንሳን ሃገሩ ጊኒን ኣገልጊሉ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0