ሱዳን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ንምግታእ ዝዓለመ ሓድሽ ውጥን ኣውጺኣ

Radio Erena: 01 September 2021
መንግስቲ ሱዳን፣ ብመንገዲ እታ ሃገር ንዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ንምግታእ ዝዓለመ ሓድሽ ውጥን ከምዘውጽአ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ መወዳእታ 2021 ክሳብ 2023 ዝጸንሕ ውጥን፣ ብሃገራዊ ኮሚተ መኸተ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝተነድፈ ኮይኑ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራትን’ውን ኢዶም ዝሓወሰሉ’ዩ።

ሱዳን፣ ክብሪ ደቂ ሰብ ብዝሓለወ ኣገባብ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ንምግታእ ቆሪጻ ተላዒላ ከምዘላ ሚኒስተር ፍትሒ ሱዳን፣ ነስረዲን ዓብደል ባሪ፣ እቲ ውጥን ብሰኑይ 30 ነሓሰ፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ብወግዒ ኣብ ዝተኣወጀሉ ገሊጹ።

ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሱዳን፣ ሮበርት ቫን ደን ዱል ብወገኑ፣ ሱዳን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ንምግታእ ክትግበሮ ንዝጸንሐት ጻዕርታት ብምምጓስ፣ ንመጻኢ ኣብ እትገብሮ ቃልሲ’ውን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጎና ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወሓዙ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ፣ ናብ ሱዳን ክኣትዉ ጸኒሖም’ዮም።

ብዙሓት ካብኣቶም ግያዳት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ኮይኖም፣ ከም ንብረት ክሽየጡን ክልወጡን፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ኣካላውን ስነኣምሮኣውን ጉድኣታትን ካልእ ግፍዕታትን ክወርዶም ይርአ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታትን ደው ንምባሉ፣ ኣውጺእዎ ዘሎ ውጥን ንኽዕወት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራ፣ ኢትይጵያ፣ ጂቡቲ፣ ሊብያ፣ ግብጺን ቱኒዝያን ብምውህሃድ ክሰርሕ ከምዝደሊ ጠቒሱ።

ስደተኛታት ከም ናይ መወዳእታ ናይ ስደት ዒላምኦም ዝጥምትወን ሃገራት ኤውሮጳ፣ ብፍላይ ድማ ኢጣልያ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ስጳኛን ብሪጣንያን እዚ ውጥን እዚ ንኽዕወት ኣበርክቶአን ከዕዝዛ መንግስቲ ሱዳን ተላብዩ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0