ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ካብ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ዝበዝሖ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ደገፍ ሃገራት ኣፍሪቃ የቋምት

Radio Erena: 01 September 2021
ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ካብ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ዝበዝሖ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ደገፍ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ የቋምት ከምዘሎ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብ ኡጋንዳን ርዋንዳን ምብጻሕ ብምክያድ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገሩን ምስ ሱዳን ዘሎ ምፍጣጥን ብዝምልከት ድሕሪ ምዝታዩ’ዩ።

ኵናት ትግራይ ብዘተ ክፈትሕ ካብ ምዕራባዊ ዓለም፣ ጸቕጢ ዝካየደሉ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ኣብ ቱርኪ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምክያድ፣ ወትሃደራውን ጸጥታውን ስምምዓት ከቲሙ’ዩ። ምስ ደቡብ ሱዳናዊ መዘንኡ ሳልቫ ኪር ማያርዲት እውን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘትዩ እዩ።

ምስቲ ሽበራዊ ጉጅለ’ዩ ዝበሎ ህወሓት ከምዘይዝቲ ዝገልጽ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወኪሉ ክኸውን ንዝመዘዞ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ብእወታ ክቕበሎ እንከሎ፣ ህወሓት ግና እቲ ሕብረት ጸግዒ መንግስቲ ዝሓዘ’ዩ ክብል ተቓዊምዎ’ዩ።

ኣብ ኵናት ትግራይ፣ ስቕታ መሪጹ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዛጊት መርገጺኡ ብንጹር ኣየፍለጠን።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት እዛ ኣህጉር፣ ኣሰር ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ንምኽታል፣ ኵናት ትግራይ ብዘተ ክፍታሕ ኣብ ዝብል መደምደምታ ክበጽሑ ምዃኖም ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0