ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ብናይ ካልእ ሃገር ሰራዊት ክትክኦ ወሲኑ

Radio Erena: 25 August 2021

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ብናይ ካልእ ሃገር ሰራዊት ክትክኦ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኢትዮጵያ ዘይሻራዊት ሃገር ኣይኮነትን፣ ስለዚ ካብ መሬት ሱዳን ክትወጽእ ኣለዋ ዝብል ጥርዓን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ካብ መንግስቲ ሱዳን ቀሪቡ እዩ።
ብሓደ ወገን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሩ መሬትና እንዳወረረ፣ በቲ ካልእ ወገን ሰላም ኣብ ምዕቃብ ክዋፈር ኣይክእልን እዩ ዝብል መጎት ካብ ሰበስልጣን ሱዳን ብተደጋጋሚ ክስማዕ ከምዝጸንሐ እውን ይፍለጥ።
ብሰኑይ 23 ነሓሰ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ማርያም ኣል-ሳድቕ፣ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦናንጋ ኣንያንጋ ኣብ ዝገበረቶ ርክብ፣ ኣብ ከባቢታት ኣብየይ ዶብ ናይ ሱዳን ዝተዋፈረ ኣካል ዓቃብ ሰላም ዝኾነ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ክስሕብ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2011 ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝተኻየደ ዓሌታዊ ግጭት እዩ፣ ኣብቲ ከባቢ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክዋፈር ዝወሰነ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 3500 ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ኮይኖም ኣብ ሱዳን ተዋፊሮም ይርከቡ። ኣብ ትግራይ ኲናት ኣብ ዝተላዕለሉ፣ ምስቲ ሰራዊት ተሰሊፎም ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ፣ ካብ ኣሃዱታቶም ወጺኦም ኣብታ ሃገር መሰል ዑቕባ ክወሃቦም ምሕታቶም ኣብ እዋኑ ተገሊጹ እዩ።
14 ደቀንስትዮ ዝርከብኦም 120 ካብቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ተወላዶ ትግራይ፣ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ዝተላእኩሉ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኽድዓት ሃገር እዩ ከሲሱዎም።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0