ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምእታው ካብ ዝሓለኑ ስደተኛታት፣ ሓደጋ ስለዘጋጠሞም ሓደ ኤርትራዊ ህይወቱ ስኢኑ

Radio Erena: 16 August 2021

ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምእታው ካብ ዝሓለኑ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ስለዘጋጠሞም ሓደ ኤርትራዊ ህይወቱ ስኢኑ።
እቶም ኣስታት 36 ስደተኛታት ብሓሙስ 12 ነሓሰ፣ ብጃልባ ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ፣ ብዘጋጠሞም ሓደጋ እዩ እቲ ወዲ 27 ዓመት ኤርትራዊ ሞይቱ።
እቲ ሓደጋ ድሕሪ ምግጣሙ ብዝተገብረ ናይ ህይወት ኣድሕን ዘመተ፣ እቶም ግዳያት ናብ ፈረንሳ ከምዝምለሱ ተገይሩ ኣሎ። ሓሙሽተ ሰባት ክብደት ናይታ ጃልባ ንምጉዳል ክብሉ ናብ ባሕሪ ከምዝኣተዉ ዝገለጹ እቶም ግዳያት፣ ምስኦም ዝጠሓለ እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ከምዝሞተ፣ ኣብታ ጃልባ ምስኡ ዝነበረት መጻምድቱ ገሊጻ።
ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝግበር ሓደገኛ ጉዕዞ፣ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ህይወት ስደተኛታት ክቐዝፍ ይረአ እዩ።
ብሪጣንያ ነዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዩሮ ንፈረንሳ ብምሃብ፣ ፈረንሳ ኣብ ዶባት ዝርከብ ሓለዋኣ ብዝተዓጻጸፈ ከተዛይድ ተሳማሚዓ’ያ።
እንተኾነ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት በዚ ሓደገኛ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ሰጊሮም ኣለዉ። እዚ ቁጽሪ’ዚ ገና 2021 ከይተዛዘመ እንከሎ ዝያዳ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኮይኑ ከምዘሎ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0