ግጥማት ሴካፋ ናይዚ ዓመት እዚ፣ ተእንግዶ ሃገር ብዘይምርካቡ ይስረዝ

ግጥማት ሴካፋ ናይዚ ዓመት እዚ፣ ተእንግዶ ሃገር ብዘይምርካቡ ይስረዝ

Radio Erena: 16 December 2014

cecafa

ንግጥማት ሴካፋ እተአንግድ ሃገር ብዘይምህላዋ ናይዚ ዓመት እዚ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ምብራቕ ማእከላይን ኣፍሪቃ ክካየድ ከምዘይክኣለ እቲ ዞባዊ ናይ ኩዕሶ ማሕበር ኣፍሊጡ።

ኤርትራ እትርከበን 12 ሃገራት ሴካፋ፣ ብሰንኪ ጸጥታን ዘለወን ናይ ፊናንስያዊ ዓቕምን ስኽፍታ ነዚ ዞባዊ ግጥም ንምእንጋድ ከምዘይክኣላ’የን ዝጠቕሳ።

ታንዛንያን፣ ኡጋንዳንን ኬንያን ንግጥማት ሴካፋ ተደጋጋሚ እዋን ከምዘካየድኦ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ናይዚ ዓመት እዚ መበል 38 ግጥማት ምብራቕን ማእከላን ኣፍሪቃ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ’ዩ ዝብል ተስፋታት ኔሩ።

 

እንተኾነ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቤታውን ኣህጉራውን ጉዳያት ተጸሚዳ ከምዘላ ብምጥቃስ ኣብ ውድኡ ሰዓታት ነዚ ግጥም ከምዘይተእንግድ ድሕሪ ምሕባራ፣ እዚ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዝነውሀ ዕድመ ዘለዎ ዞባዊ ግጥም ኣብዚ ዓመት እዚ ከምዘይካየድ ብወግዒ ተነጊሩ።

ናይዚ ዓመት እዚ ግጥማት ሴካፋ ካብ 24 ሕዳር ክሳብ 10 ታሕሳስ ክካየድ ተወጢኑ ምንባሩ ዝሓበሩ ኣካይድቲ ስራሕ ሴካፋ፣ ኢትዮጵያ ነቲ ግጥም ካብ ምእንጋድ ድሕሪ ምስሓባ፣ ታንዛንያ ከተእንግዶ እኳ እንተሓተቱ ካብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ምላሽ ከምዘይረኸቡ ገሊጾም።

ድሕሪ’ዚ ኣብ ስፖርት ኣፍሪቃ ዘሕፍር ምዃኑ ዝተገልጸ ምስራዝ ዞባዊ ግጥም፣ ሴካፋ ኩነታቱ ንምግምጋም ትማሊ ቀዳመ-ሰንበት ህጹጽ ኣኼባ ከምዘካየደ ኣፈኛ እቲ ዞባዊ ናይ ኩዕሶ ማሕበር ሮጀርስ ሙሉንዳዋ ሓቢሩ።

ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣብ 1927 ካብ ዝተመስረተሉ፣ ኣብ ታሪኹ ሎሚ ንሻሙናይ እዋኑ’ዩ ከይተኣንገደ ዝተርፍ ዘሎ።

ግጥማት ሴካፋ ኣብ 1927 ደኣ ይመስረት እምበር፣ ሃገራት እቲ ዞባ ናጽነተን ካብ ዝረኸባሉ ካብ 1973 ንደሓር’ዩ ዝያዳ ህቡብነት እናጥረየ መጺኡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሴካፋ፣- ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ሶማልያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛንያ፣ ርዋንዳ፣ ብሩንዲን ዛንዚባርን ብድምር 12 ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ’ዩ።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0