20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር

Radio Erena: 20 June 2021

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ።
እዛ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ሃገሩ ዝኸፈሎም ውሉዳቱ ዝዝክረላ ዕለት፣ ሕድሮም ንምትግባር እውን መብጽዓኡ ዘሐድሰላ ዕለት ኮይና ኣላ።
ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ‘ንሰማእታትና ክብሪ፣ ንስራሕ ብግብሪ’ ብዝብል ቴማ ዝዝክሩዋ ዘለዉ እዛ ዕለት፣ መብጻዓ ጥራይ ምእታው ዘይኮነ፣ ሓሳብ፣ መደብን ግብርን ብሓንሳብ ክሳነ ከምዘለዎ የዘኻኽሩ።
ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ገና ኣይተተግበረን ዝብሉ ዜጋታት ብወገኖም፣ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት፣ ንሰማእታት ደቂ ህዝቢ ክጽውዕን ዝኽሪ ክገብርን፣ ሞራላዊ ብቕዓት ከምዘይብሉ፣ ንኩሉ ሕድሪታቶም ረጊጹ ሃገር ናብ ፍጹም ምብዳም ኣአንፊቱዋ ከምዘሎ ይገልጹ።
ህዝቢ ኤርትራ፣ ናጽነት ሃገሩ ንምርግጋጽ፣ ኣንጻር ባዕዳውያን መግዛእታትን ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን ገጢሙ፣ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ እኳ እንተኾነ፣ ብዘተን ልዝብን ክዓርፍ ዝግብኦ ዶባዊ ግጭት ተላዒሉ ዳግማይ ናብ መስዋእቲ እዩ ኣምሪሑ።
ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ሕሱም ኣካዪዳ፣ ኣብ ሃገሩ ምንባር ዝሰኣነ ህዝቢ’ውን ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ዝሓልፎ ዘሎ መስገደል ሞትን ስቓይን ንምሕጻርን ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባርን፣ ኩሉ ብሓባር ክሰርሕ ትጽቢት ደላዪ ፍትሕን ደሞክራስን ምዃኑ ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ዘሎ መልእኽታት የነጽር።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0