መ.ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ወከልቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ

Radio Erena: 20 June 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ወከልቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
እቶም ምንጭታት ካብ ቤተሰብ ግዳያትን መቕርቦምን ብዝኣከብዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ሽዱሽተ ወከልቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ መዓስከራት ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ጸጥታን መነባብሮን፣ ብዝምልከት ናብ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ጥርዓናት ስለዘቕረቡ፣ ግዳያት ማእሰርቲ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።
እቶም ብ15 ሰነ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ዘቕረቡዎ ሕቶታት፣ መዓስከር ስደተኛታት ናብ ዉሑስ ቦታ ክሰጋገር፣ ካብ መንግስቲን ተጸዋዒ ስደተኛታትን ግቡእ ቆላሕታ ክግበር፣ ስደተኛ ካብ ፖለቲካዊ ጸግዒ ናጻ ክነሱ፣ ከም መባድልቲ ዝጥቀሙሎም ዘለዉ ፖለቲከኛታት ደው ከብሉ፣ ምስ ለበዳ ኮቪድ19 ተኣሳሲሩ፣ ቀረብ መድሃኒትን ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ነገራት ቆላሕታ ክግበረሎም፣ ዝብልን ካልእን ይርከቦ።
ኣብ ኩለን ኣብ ትግራይ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ወኪሎም ነዚ ጥርዓን’ዚ ዘቕረቡ ኤርትራውያን ግዳይ ማእሰርቲ ኮይኖም ከምዘለዉ ዝሓበሩ ቤተሰቦም፣ መግቢ ይኹን ክዳውንቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከእትዉሎም መንግስቲ ከምዘይፈቐደሎም ሓቢሮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0