የመን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ወደብ ሖደይዳ ኣብ ዝተጎሃሃሀር ግጭት ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 21 May 2021

ኣብ የመን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ስትራቴጃዊት ወደብ ሖደይዳ፣ ኣብ ዝተወልዐ ሓድሽ ግጭት ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ኣብ 19 ግንቦት ዝተወልዐ ግጭት፣ ሓይልታት ሑቲ፣ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት መንግስቲ ንዝርከብ ከባቢታት ንምቑጽጻር ድሕሪ ኸተፈትዎ መጥቃዕቲ’ዩ ተወሊዑ።

በቲ ንሓያሎ ሰዓታት ዝቐጸለ ግጭት ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ብወገን መንግስቲ ተገሊጹ።

ኣብ ክልቲኦም ወገናት ዝወረደ ክሳራታት ግና ብዝርዝር ኣይተሓበረን።

ናብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ዝቐረበት ሖደይዳ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ዝዓበየት ወደባዊት ከተማ የመን’ያ።

እዛ ወደብ፣ ብፍላይ ነቲ ዝበዝሐ ሰሜናዊ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ፣ ቀንዲ ኣፍደጊኡ’ያ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን፣ ንኤርትራ ከም መናሃርያ ሎጂስቲክስ እናተጠቕማ፣ ንሑቲ ካብዛ ወደብ ንምርሓቑ ዝገበርኦ ዓመታት ዝወሰደ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ስርሒታት ክዕወት ኣይከኣላን።

ድሕሪ’ዚ ተደጋጋሚ ወትሃደራዊ ፍሽለታት፣ እታ ወደብ ኣብ ትሕቲ ተዓዛብነት ሕቡራት ሃገራት ክትጸንሕ ኣብ ዝብል፣ ኣብ ታሕሳስ 2018፣ ኣብ ስቶኮልም ስምምዕ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ ሓይልታቶም ካብዛ ወደብ ክስሕቡ ዝነበሮም ሑቲን ኣብ ስደት ንዝርከብ መንግስቲ የመን ዝድግፉ ሚሊሻታትን፣ ነቲ ስምምዕ ስለዘየኽበሩ ተደጋጋሚ እዋን ረጽምታት ኣብ ምክያድን ይርከቡ።

ወደብ ሖደይዳ፣ ዝበዝሐ ክፋላ ኣብ ትሕቲ ሑቲ’ያ ዘላ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0