Radio Erena: 07 May 2021
ኣብ ሶማል፣ ኣብ መንጎ ርእሰ ምምሕዳራትን ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆን ተፈጢሩ ብሰንኪ ዘሎ ምክፍፋል፣ እታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ምብትታን ከይትወድቕ ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ቀጠር፣ ንተተፋነንቲ ሓይልታት ንምቕርራብ ዘንቐደ ፍሉይ ልኡኽ ሰዲዳ።
እቲ ብላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር፣ ሙልታቕ ኣልቃሕታኒ ዝተመርሐ ፍሉይ ልኡኽ፣ ብ01 ግንቦት ናብ ሶማል ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓሰን ሮብለ ኣብ ሞቛድሾ፣ ምስ ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሐ ድማ ኣብ ከተማ ሃርጌሳ፣ ከምዝተራኸበ ተፈሊጡ ኣሎ።
ምስቶም ቀንዲ ተቓወምቲ ፕረዚደንት ፋርማጆ ዝኾኑ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድን ግና ዛጊት ርክብ ከምዘየካየደ ማዕከን ዜና ጋሮወ ንምንጭታቱ ብምውካስ ጠቒሱ።
እንተኾነ፣ ፍሉይ ልኡኽ ቀጠር፣ ምስ ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣሕመድ ማዶበንን ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ሰይድ ዓብዱላሂ ደኒን፣ ኣብ ከተማታት ጋሮወን ኪስማዮን ርክባት ከምዘካየደ ዝጠቕሱ ምንጭታት ዜና’ውን ኣለዉ።
ፍሉይ ልኡኽ ቀጠር፣ ምስዞም መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ኣብ ኬንያ፣ ከተማ ናይሮቢ ምስጢራዊ ርክብ ከምዘካየደ’ውን ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ነቲ ሓበሬታ ክልቲኦም ወገናት ነጺጎሞ።
መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድን፣ ምስ ፕረዚደንት ፋርማጆ ዘተ ምክያድ ትርጉም የብሉን ናብ ዝብል መደምደምታ ስለዝበጽሑ፣ ብመንጎኝነት ፍሉይ ልኡኽ ቀጠር ዝካየድ ርክብ’ውን ፍረ ከምዘይህልዎ ተንተንቲ ፖለቲከ ሶማል የረድኡ።
እዞም መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት፣ ነቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ስልጣኑ ድሕሪ ምብቅዑ፣ ብዘይምርጫ ንክልተ ዓመታት ከናውሕ ዝወሰነ ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ’ዮም ገሊጾም።
ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ኣንጻር ውሳኔኡ ድሕሪ ዝተላዕለ ፖለቲካዊ ተቓውሞታትን ግጭትን፣ ምስ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ብምዝታይ፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምርጫ ክካየድ ጸዊዑ።
ቀጠር ድማ ነዞም ተተፋኒኖም ዘለዉ ሓይልታት ሶማል ናብ መኣዲ ዘተ ንምቕርራቦም’ያ ፍሉይ ልኡኻ ናብታ ሃገር ሰዲዳ ዘላ።
======================
COMMENTS