ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዘትዩ፣ ተዓዛቢ ምርጫ ናብ ኢትዮጵያ ክልኣኽ ወሲኑ

Radio Erena: 20 April 2021

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጉዳይ ትግራይን ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራን ብዝምልከት ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።

እቲ ብሰኑይ 19 ሚያዝያ፣ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝተኻየደ ዘተ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፣ ነቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳን፣ ፔካ ሃቪስቶ ንዝቐረበ ጸብጻብ ድሕሪ ምስማዕ፣ 22 መጋቢት ዘሕለፎ ውሳኔታት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ’ዩ ገምጊሙ።

ብ3 ሚያዝያ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ካልኣይ እግሪ ዑደቱ ዘካየደ ፔካ ሃቪስቶ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ህጹጽ ረድኤት ንኸይባጻዕ ዝዕንቅፍ ጉዳያት ክኣሊ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእን ዝተፈጸመ ገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ብኣህጉራዊ ናጻ ኣካል ክጻረ ኣብ ዝብል ነጥቢ ደጊሙ ምስ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ፣ ወይዘሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ከምዝዘተየ ይዝከር።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኤውሮጳ፣ ኣብዚ ናይ ሰኑይ ኣኼባኡ፣ ኣብዞም ሰለስተ ነጥብታት ዛጊት ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታት’ዩ ዘትዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ክስሕብ ከምዝተሰማምዐ፣ ቀዳማት ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ እኳ እንተገለጸ፣ ብኣንጻሩ ብወገን ኤርትራ ተወሳኺ ሰራዊት ክወፍር’ዩ ዝርአ ዘሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ክልል ትግራይን ካልእ ከባቢታት እታ ሃገርን ተኸሲቱ ንዘሎ ቅልውላው ዝውዕል 53 ሚልዮን ኤውሮ ዝተገመተ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ከምዘበርከተ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኩነታት ኢትዮጵያ ካብዚ ዘለዎ እንተዘይብኢሱ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ተዓዛቢ ክልእኽ ምዃኑ ወኪል ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እቲ ሕብረት፣ ጆሰፍ ቦረል፣ ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ገሊጹ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0