Radio Erena: 03 March 2021
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ብምትኳር፣ ጽባሕ ሓሙስ 4 መጋቢት፣ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ንዲፕሎማሰኛታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።
እቲ ኣኼባ፣ ብመንግስቲ ኣየርላንድ ዝተጠልበ ኮይኑ፣ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ኩነታት ትግራይ ብዝያዳ ከተኩር ምዃኑ ተመልኪቱ።
እቲ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝካየድ ኣኼባ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝኾና ሃገራት ናይ ሓባር መግለጺ ክህባሉ ድየን ኣይፋሉን ዝተፈልጠ ነገረ የለን።
ነዚ ብኣየርላንድ ዝተጸውዐ ኣኼባ ዝደገፋ፣ ብፍላይ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ኖርወይን ኢስቶንያን ዝርከብአን ሃገራት፣ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝብሃል ዘሎ ገበናት ብናጻ ኣህጉራዊ ኣካል ክጻረ ይደፍኣሉ ኣለዋ።
==============