ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ዝተወልዐ ግጭት እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ፕረዚደንት ግብጺ ናብ ካርቱም ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 03 March 2021

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ዝተወልዐ ዶባዊ ግጭት እናዓረገ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ናብ ካርቱም ክበጽሕ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፣ ናብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ፣ ብሰሉስ 2 መጋቢት፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሚርያም ሳድቕ ኣልማህዲ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ካይሮ ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻማ’ዩ።

ንሳ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ ብምርኻብ ኣብ ዘካየደቶ ዘተ፣ ኢትዮጵያ ንዲጋ ተሃድሶ ንምምላእ እትወስዶ በይናዊ ስጉምቲ፣ ንረብሓ ሱዳን ግብጽን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

ኣብ ጉዳይ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን ብዝምልከት፣ ክልቲኤን ሃገራት ብሓባር እናተረዳድእ ክሰርሓ ኣብ ስምምዕ በጺሐን።

ክልትኤን ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ እትወስዶ ዘላ በይናዊ ስጉምቲ ምምላእ ዲጋ ተሃድሶ ብዝምልከት ሓባራዊ መርገጺ ክሕዛ ምዃነን ድማ ይግለጽ ኣሎ።

ሚኒስተር ሚርያም ናብ ካይሮ ምብጻሕ ትፍጽም ዘላ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ ናብ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ ዕለት’ዩ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ፣ ኣብ ናይ ካርቱም ዑደቱ፣ ምስ ሱዳናዊ መዘንኡ፣ ጀነራል መሓመድ ዖትማን ኣልሑሰን ብምርኻብ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዝህሉ ዝተፈላለየ ወትሃደራውያን ጽጥታውን ስምምዓት ከቲሙ።

ንሃገራዊ ድሕነት ሱዳንን ግብጽን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝኾነ ተጻብኦ፣ ክልቲኤን ሃገራት ብሓባር ክምክትኦ ምዃነን፣ ጀነራል ፋሪድ ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ገሊጹ።

ጀነራል ኣልሑሰን ብወገኑ፣ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ተሞክሮ ክለዋወጣ ምዃነን ብምጥቃስ፣ ግብጺ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ኣብ ጎኒ ሱዳን ደው ምባላ ኣመስጊኑ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0