Radio Erena: 02 March 2021
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ሰራዊት ኤርትራን ምሊሻታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ጸቕጢ ይገብር ከምዘሎ እቲ ክፍሊ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ሎሚ 02 መጋቢት፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፣ ናብ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ክኣቱ ኣብ ርእሲ ምጽዋዕ፣ ኣህጉራውያን ተዓዘብት ብዛዕባ’ቲ ተፈጺሙ ዘሎ ከበዲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከጻርዩ ፍቓድ ክወሃቦም ሓቲቱ።
መንግስቲ ኢትይጵያ፣ ድሕነት ስደተኛታት ዝርከብዎም ሰለማውያን ሰባት ምርግጋጽ ቀዳምነት ክገብሮ ካብ ዘለዎ ምዃኑ ዘተሓሳሰበ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ተጻብኦታት ብዝቐልጠፈ ከብቅዕን ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ድማ ካብ ትግራይ ብዝቐልጠፈ ክወጹን ጸቒጡ ከምዝተዛረበሉ መግለጺ እቲ ክፍሊ ኣመልኪቱ።
እቲ ጸሓፊ ኣብ መወዳእታ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናጻን ተኣማንን ጸብጻብ ናይቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዘሎ ገበናትን ምግሃስ መሰላት ደቂሰብን ንምድላው ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም ክተሓባበር ጸዊዑ።
እቲ ጸሓፊ ኣቐዲሙ’ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ከምዘውጽአ ዝዝከር’ዩ።
ኣመሪካ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ገበናት ኵናት ዝርከቦ ሓይሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ’ዩ ዝብል ዘእምን መርትዖታት ከምዘሎ’ያ ትጠቅስ።
==============
COMMENTS