መ. ኢትዮጵያ ንመግለጺ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡ

Radio Erena: 28 February 2021

ኣብ ትግራይ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተፈጸመ ህልቂት ኢሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘውጸኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጉዎ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ኣህጉራዊ ትካል መሰኻኽር ኢሉ ካብ ዘቕረቦም ሓደ፣ ከምቲ ዝተጠቕሰ ኣብ ኣክሱም ዝነብር ቀሺ ዘይኮነስ ኣብ ቦስተን ዝነብር ኢትዮጵያዊ’ዩ ክብል ከም ኣብነት ብምጥቃስ ነቲ ጸብጻብ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ጃምላዊ ህልቂት፣ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ከቢድ ስምባደ ፈጢሩ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ነቲ መጽናዕቲ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፣ ስሩዕ መስርሕ ከምዝተኸተለ እዩ ዝገልጽ።
እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ተባሂሎም ዝተጠቕሱ 41 ውልቀሰባት ንድሕነቶም ተባሂሉ ኣስማቶም ስለዝተቐየረ’ዩ፣ ምምስሳል ኣስማት ኣኸቲሉ ክኸውን ዝኽእል ብምባል ምላሽ ሂቡሉ ኣሎ።
ብፍላይ ካብ 19 ክሳብ 29 ሕዳር 2020 ኣብ ኣኽሱምን ከባቢኡን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ህልቂት ሰላማውያን ሰባት፣ ብሰራዊት ኤርትራ ዝተፈጸመ ምዃኑ’ዩ ኣብቲ ጸብጻብ ቀሪቡ ዘሎ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ፣ እዚ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸብጻብ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ማይ ካድራ ብሰራዊትን ምልሻን ህወሓት ዝተፈጸመ ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሰ ጃምላዊ ህልቂት ኣቓልቦ ንኸይገብር ሸፊኑዎ ኣሎ ክብል’ዩ ዝኸስስ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝወጸ ጸብጻብ ብመንገዲ ሚኒስተር ዜናኡ ኣቢሉ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0