ኤርትራ ዳግማይ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ክትከውን ዘኽእላ ድምጺ ክትረክብ ጎስጓስ ተካዪድ

Radio Erena: 28 February 2021

unhrcኤርትራ ዳግማይ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ዘኽእላ ድምጺ ክትረክብ ጎስጓስ ተካዪድ ከምዘላ ተገሊጹ።
ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣባል ሃገራት፣ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ክምረጻ ንዘካዪዶኦ ጎስጓስ ደገፍ ዝገብር እኳ እንተኾነ፣ ኤርትራ ግና ኣባል’ቲ ባይቶ ክትከውን ከምዘይግባእ ድሕሪ ምግላጽ ደገፉ ከይህባ ተማሕጺኑ።
መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣሎ ዝበሃል ኩሉ ዓይነት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡ እንዳካየደ፣ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ክኸውን ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝቖመሉ መትከላትን ምንእኣስ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ እቲ ኣህጉራዊ ትካል።
ብተወሳኺ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተጋሂሱ ንዓለም እኳ ናይ ረዲኤት ጥርዓን ከምዘየቕርብ ተገይሩ ተታሒዙ እንዳሃለወ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ምምራጽ፣ ንኣውያት’ቲ ህዝቢ ጸማም እዝኒ ምሃብ እዩ ብምባል ኣብ ህዩማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር ቀርኒ ኣፍሪቃ ለቲሲያ ባድር ገሊጻ።
ንሳ ብተወሳኺ፣ ብምኽንያት ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ 19 ንህዝቢ ብጎሮሮኡ ዝሓዘ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ተመሃሮ ናብ ሳዋ ምልኣኽን፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምስታፉን ግና ከምዘይዓገቶ ብምሕባር፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ንባህርያት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው ደገፉ ከይህብ ምሕጽንታኣ ኣቕሪባ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    who is she talk about the Eritras Covid protocol and the so called involvement in Ethiopia which incidentally denied by both Eritrea and Ethiopia. Focus on the issue of refuge