ባይቶ ጸጥታ፣ ሕጋዊ ፕረዚደንት ኣብ ዘይብላ ሶማል፣ ብዝቐልጠፈ ምርጫ ክካየድ ተማሕጺኑ

Radio Erena: 11 February 2021

ሶማል፣ ተፈጢሩ ንዘሎ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ንምምላእ፣ ብዝቐልጠፈ ምርጫ ክካየድ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ኣብ ዘቕረቦ ምሕጽንታ፣ ምርጫ ንምክያድ፣ ኣብ መንጎ’ቲ ስልጣኑ ካብ 8 ለካቲት ንደሓር ኣብቂዑ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስትን መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራትን ዘተ ክቕጽል’ውን ጸዊዑ።

ሕጋዊ ስልጣን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ኣብ 8 ለካቲት ድሕሪ ምብቅዑ፣ እቲ ፕረዚደንት ንሶማል ከምዘይውክል’ዮም መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድን ዝገልጹ።

ይኹን’ምበር፣ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተበጽሐ ምርድዳእ፣ ኣብ 8 ለካቲት ምርጫ ክካየድ እንተዘይክኢሉ፣ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ብግዝያውነት ክቕጽል ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ሶማል የረድኡ ኣለዉ።

ሕጋዊ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ጠንቂ’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት መራሕቲ ጁባላንድን ፑንትላንድን ምዃኖም ይወቅስ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ምትእትታው ናይ ግዳም ሓይልታት’ውን ነቲ ኩነታት ከምዘጋደዶ የመልክት።

እቲ ፕረዚደንት፣ ናይ ግዳም ሓይልታት ዝበሎም ኣካላት እኳ እንተዘየነጸረ፣ ሓደ ካብኣቶም መንግስቲ ኬንያ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብ ጸጥታዊ ሰንኮፍ እትርከብ ሶማል፣ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ናብ ዝበኣሰ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝስዕብ ግጭታት ከይሸማ ተሰጊኡ ኣሎ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0