መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝነጥፉ 25 ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ክኣትዉ ፈቒዱ

Radio Erena: 11 February 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ምቕራብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝነጥፉ፣ 25 ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ክኣትዉ ከምዝፈቐደ፣ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት፣ ስቴፋን ዱጃሪች፣ እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሂብዎ ዘሎ ፍቓድ፣ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ ድሕሪ ምባል፣ እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ናይቲ ኣህጉራዊ ውድብ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ ዝርርብ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ይኹን’ምበር እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሂብዎ ዘሎ ብዝሒ ፍቓድ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ትካላት፣ ምስቲ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝዳረግ ከምዘይኮነ’ዩ ዝግለጽ።

ልዕሊ 60 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ግብረ ሰናይን፣ ናብ ትግራይ ንምእታው ፍቓድ ከምዝሓተቱ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ፣ ብሰንኪ’ቲ ልዕሊ 3 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኵናት፣ ኣስታት 4 ሚልዮን ሰባት፣ ተጸበይቲ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤትን ካልእ ሰብኣዊ ሓገዛትን ኮይኖም ምህላዎም ጸብጻባት ይጠቕሱ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዛት ከይኣቱ ከልኪሉ’ዩ ጸኒሑ።

መንግስትታት ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን፣ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ክኣቱ ክፈቅድ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቕሪበን’የን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0