ሱዳን፣ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ ትቕጽሎ ዘላ ዘይሕጋዊ ተግባር ብሳልሳይ ኣካል ዝተደፋፍአ’ዩ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ

Radio Erena: 12 January 2021

ሱዳን፣ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ ትገብሮ ዘላ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት፣ ሕጂው’ን ትቕጽሎ ከምዘላ ንመግለጺ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኵናት ከምዘካየደት ዝጠቐሰ ኣፈኛ እቲ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ፣ ካብ ኵናት ክሳራ ደኣ’ምበር መኽሰብ ከምዘይብሉ ኣመልኪቱ።

እቲ ኣፈኛ በተወሳኺ፣ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት ብምእታው ፖለቲካዊ መኽሰብ ክረኽቡ ዝደሉ ሳልሳይ ኣካል ወገናት፣ ኵናት ይጽሕትሩ ኣለዉ ክብል ወቒሱ።

ይኹን’ምበር እቲ ሳልሳይ ኣካል ዝበሎ ወገን ኣየነጸረን።

ሱዳን፣ ን26 ዓመታት ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝጸንሐ፣ ኣብ ዶባት ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ድሕሪ ምምላሳ፣ ኣብቲ ከባቢ ብዝሒ ዘለዎ ተወሳኺ ሰራዊት ኣብ ምውፋር’ያ ትርከብ።

ኢትዮጵያ ብወገና፣ ሱዳን፣ ዶባት ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ትፍጽም ከምዘላ’ያ ትኸስስ።

ነዚ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተወሊዑ ዘሎ ናይ ዶብ ግጭት ንምፍታሕ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘቕረቦ ናይ ሽምግልና ተበግሶ፣ መንግስቲ ሱዳን ከምዝነጸጎ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0