ግብጺ፣ ንሱዳን ምሉእ ደገፍ ከምዘለዋ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ገሊጹ

Radio Erena: 05 January 2021

ግብጺ፣ ንሱዳን ኣብ ኩሉ መዳያት ዘለዋ ደገፍ ከተረጋግጽ ከምእትደሊ፣ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ነዚ ዝገለጸ፣ ብምኽንያት መበል 65 ዓመት ናጽነት ሱዳን፣ ናብ ኣቦ መንበር መሰጋግሪ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ብቴሌፎን ኣብ ዝረኸበሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፣ ህዝብታት ግብጽን ሱዳንን፣ ብዘለዎም ታሪኻዊ ምትእስሳ፣ ኣብ ጸጥታን ካልእ መዳያትን ብሓባር ክሰርሑ ከምዘድልዮም ኣስሚረምሉ።

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ብወገኑ፣ ግብጺ ንሱዳን እትገብሮ ዘላ ደገፍ ብምምስጋን፣ ዝምድንኦም ብደረጃ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ማሕበራዊ ሰረት ዘለዎ ምዃኑ ጠቒሱ።

ግብጺን ሱዳንን፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ መዳያት ጥዕናን ሕርሻን ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ምትሕግጋዝ፣ ኣብ ወትሃደራዊ ዘተኮረ ስምምዓት ኣካይደን ይርከባ።

መራሕቲ ግብጽን ሱዳንን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዶባዊ ግጭት ሱዳንን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ካልእ ዞባዊ ጉዳያት ብምትኳር’ውን ከምዝተመያየጡ መርበባት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0