ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ብጉዳይ ዶብ ዘካየድኦ ዘተ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ

Radio Erena: 25 December 2020

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ብጉዳይ እቲ ናብ ግጭት ኣምሪሑ ዘሎ ዶባት ኣል ፋሺጋ ብዝምልከት ዘካየድኦ ዘተ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።

እቲ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዘተ፣ ብዘይፍረ ዝተበተነሉ ምኽንያት፣ ኣብ መንጎ ብሪጣንያን ኢትዮጵያን ኣብ 1903 ዝተኸተመ ስምምዕ ዶባት፣ ብወገን ኢትዮጵያ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ምዃኑ ብወገን ሱዳን ተሰሚዑ።

እቲ ንክልቲኦም ወገናት ናብ ግጭት ዘምርሐ ዶባዊ ምስሕሓብ፣ ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሑን ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ምምልካት ግና ብቀሊሉ ክፍታሕ ዘይክእል ዕንቅፋታት ገጢምዎ ምህላዎ’ዩ ዝግለጽ።

ዝሓለፍ ቅንያት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሚሊሻን ኣብ ሓለዋ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ ዝኸፈትዎ ቶኽሲ፣ ሰራዊት ሱዳን ጸረ መጥቃዕቲ ብምፍናው፣ ንሰፊሕ ክፋል ኣል ፋሽጋ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእትዎ ይርከብ።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ፣ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ካብ 22 ክሳብ 23 ታሕሳስ ኣብ ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ፣ ብወገን ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ምንጭታት ዜና ካብ ሱዳን ሓቢሮም።

እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብን ግጭትን መፍትሒኡ ምምልካት ዶባት ምዃኑ እትኣመን ሱዳን፣ እቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዘይተዓወተ ዘተ ምስ ኢትዮጵያ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጣ ኣላ።

ኣብ ምምልካት ዶባት ኣተኩሮ ዝተጀመረ ዘተ ክልቲኤን ሃገራት፣ መቐጸልትኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ እኳ እንተሎ፣ ዕለት ግና ኣይተነጸረን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0