ኣብ ሽረን ከባቢኡን፣ ኣብ ዝቖመ ሓያሎ ናይ ተፍትሽ ኬላታት፣ ብናይ ኤርትራ ኣሃዱታት ይሕሎ ኣሎ

Radio Erena: 23 December 2020

ኣብ ትግራይ፣ ሽረን ከባቢኡን ኣብ ዝቖመ ሓያሎ ናይ ተፍትሽ ኬላታት፣ ብናይ ኤርትራ ኣሃዱታት ይሕሎ ከምዘሎ ምንጭታት ኤረና ካብቲ ከባቢ ኣረጋጊጾም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ገለ ነቑጣታትን ኣብ ማእከል እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መደበርን’ዩ ዓስኪሩ ዝርከብ።

ህዝቢ ከተማ ሽረ፣ ኣብታ ከተማ ብፍላይ፣ ኣብ ኣብያተ ሸቐጥን ዱኳናትን ዝተፈጸመ ዝምታ፣ ብሰራዊት ኤርትራ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ምንቅስቓስ እታ ከተማ ዛጊት ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ናብታ ከተማ ብስሩዕ ዝኣቱ ኾነ ዝወጽእ ህዝቢ ከምዘየለ ጠቒሶም።

ብፍላይ መንእሰያት፣ በብእዋኑ ካብታ ከተማ ይስወሩ ምህላዎም ብምምልካት፣ ይእሰሩ ድዮም ዘለዉ ወይስ ናብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንሓርነት ትግራይ ይጽንበሩ፣ ዝፍለጥ ነገረ ከምዘየለ ጠቒሶም።

ኣብ ካልኦት ናብ ኤርትራ ቅርበት ዘለወን ከተማታት ትግራይ’ውን እቲ ክስተት ተመሳሳሊ ምዃኑ ይዝረብ እኳ እንተኾነ፣ ራድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ኣይከኣለትን።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት፣ ካብ ፈለምኡ ይሳተፍ ከምዘሎ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክቃላዕ ምጽንሑ ይፍለጥ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0