ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ምምልካት ዶብ ዘትየን

Radio Erena: 23 December 2020

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ምምልካት ዶብ ዘተኮረ ዘተ ምክያደን ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ፈይሰል መሓመድ ሳልሕ ሓቢሩ።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንምዝታይ፣ ትማሊ ሰሉስ 22 ታሕሳስ’ዩ ናብ ካርቱም ኣትዩ።

እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብጉዳይ ምምልካት ዶብ ብህጹጽ ክዛተያ ዝወሰናሉ ምኽንያት፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብሚሊሻን ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝወረዶ መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈቶ ጸረ መጥቃዕቲ፣ ንዝበዝሐ ‘ቲ ብኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ተታሒዙ ዝጸንሐ ዞባ ኣልፋሽጋ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ዓብደላ ሓምዶክን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝተኻየደ ህጹጽ ዋዕላ ኢጋድ፣ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ከምዝተመኻኸሩ ይፍለጥ።

ሱዳን፣ ዋንነታ ዝኾነ ሰፊሕ ክፋል ዞባ ኣልፋሺጋ፣ ብሚሊሻን ሰራዊትን ዝተደገፉ ሓረስቶት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ወሪሮም ሒዞሞ ከምዘለዉ እያ ክትወቅስ ጸኒሓ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0