ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሱዳን፣ ጃባል ኣቡጡዩር ንዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ካቢነ ሚኒስተራት ሱዳን ኮኒኑ

Radio Erena: 17 December 2020

ሰራዊት ኢትዮጵያን ሚሊሻን፣ ዶብ ብምስጋር ኣብ ከባቢ ኣል ፋሺጋ፣ ጃባል ኣቡጡዩር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ ሓለዋ ንዝነበረ ሰራዊት ሱዳን መጥቃዕቲ ምፍጻሞም፣ ካቢነ ሚኒስተር ሱዳን ኮኒኑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ህዝቢ ሱዳን፣ ካብ ኵናት ንዝሃደሙ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ኣዕቝቡ ክነሱ፣ ካብ ወገን ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ምፍናዉ ከምዘተሓሳሰቦ ጠቒሱ።

በቲ ብሰሉስ 15 ታሕስስ፣ ምሸት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝበጽሐ መልእኽቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣመልኪቱ።

ዓብደላ ሓምዶክ ብተወሳኺ፣፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ተጻብኦታት ንምምክያትን ዶባት ሱዳን ኣብ ምውሓስን ንዘለዎ ብቕዓትን እምነትን ኣሞጉሱ።

ሰራዊትን ሚሊሻን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢ ፋሽጋ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬታ፣ ተደጋጋሚ እዋን መጥቃዕቲ ከምዘካይድ ዝፍለጥ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0