መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብምጥያስ ናብ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን ዝተበገሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት መውጽኢ ቪዛ ከልኪሉ

Radio Erena: 09 December 2020

ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብውልቂን ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ክጣየሱ ጉዳዮም ተወዲኡ፣ በረራ ጥራይ ክጽበዩ ዝጸንሑ 10ታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ መውጽኢ ቪዛ ተኸልኪሎም።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ብመንገዲ IOM ናብ ካናዳ ካብ ዝተበገሱ ኣስታት 40 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ እቶም ልዕሊ ፍርቂ መውጺኢ ቪዛ ተኸልኪሎም፣ ኣብ ዘዝነበርዎ ክጸንሑ ተሓቢርዎም ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዞም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጡን፣ ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናይ ምጥያስ ዕድል ዝረኸቡን ገሊኦም ድማ ብምጥርናፍ ስድራቤታት ዝተበግሱን ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ናይ መውጽኢ ቪዛ መሰናኽል ዝገብረሉም ዘሎ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ህወሓትን ርክብ ዝነበሮም ንምጽራይ ክኸውን ከምዝኽእል ሓደ ሓደ ወገናት ግምታቶም ይህቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ተዓቝቦም ንዝጸንሑ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ሓገዝ ከይረኽቡ ከልኪሉ’ዩ ዘሎ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ’ውን እቲ መንግስቲ፣ ተቓወምቲ ኤርትራ’ዮም ንዝበሎምን ምስ ህወሓት ርክብ ኔርዎምን ኢሉ ንዝጠርጠሮም ኤርትራውያን ይሃድን ከምዘሎ ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

====================