መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ሕግን ጸጥታን ብዝቐልጠፈ ከስፍን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

Radio Erena: 09 December 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ሕግን ጸጥታን ብዝቐልጠፈ ከስፍህን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ጸዊዑ።

እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ብ7 ታሕሳስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት፣ ኣብታ ሃገር ምስ ዘለዉ ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ከምዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ መሰል ሰባት ክኽበር፣ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ክሕሎ፣ ማሕበራዊ ውህደት ክቕጽልን ህዝባዊ ኣገልግሎታት ድማ ናብ ንቡር ክምለስን ብቀዳምነት ካብ ዘገድሱ ነጥብታት ምዃኑ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኵናት ትግራይ ኣብ ዝሓጸረ ክዛዘም ምዃኑ እኳ እንተገልጸ፣ 10ታት ዓመታት ክወስድ ዝኽእል ታኼላ ምዃኑ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ይትንትኑ።

እንተኾነ፣ ‘ብሒደት ገበነናታት ዝቖመ ጉጅለ’ ኢሉ ንዝገልጾ ህወሓት፣ ዝተናውሐ ኵናት ክገብር ዓቕሚ ከምዘይብሉ’ዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር የረድእ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ እታ እንኮ ጸጥታን ርግኣትን ዝነበራ ክልል ትግራይ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 4 ሕዳር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኸፈቶ ኵናት፣ ኣማኢት ተቐቲሎም 10ታት ኣሽሓት ድማ ካብ መነባብሮም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ኣብ ጽላል ሕቡራት ሃገራት ተሓቝፎም ዝነበሩ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ንመጥቃዕቲ፣ ጭውያ፣ ዝምታን ካልእ ሓደጋታትን ተቓሊዖም ይርከቡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0