ካብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ዝሃደሙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጎንደር ይከላበቱ ምህላዎም ተሓቢሩ

Radio Erena: 07 December 2020

ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ጎንደርን ካልእ ውሑስ ዝበልዎ ከባቢታትን ይሃድሙ ኣለዉ።

ዛጊት ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ “ዝረኸበ ይርከበና” ኢሎም፣ ካብቲ መዓስከር ከምዝተበታተኑ ዝሓበሩ ነበርቲ እቲ መዓስከር፣ ገሊኦም ነዊሕ ሰዓታት ብእግሪ ተጓዒዞም ጎንደር ምእታዎም ኣረጋጊጾም።

ኣብ ጎንደር፣ መጽለሊ ንምርካብ ኣብ ጎደናታት ይከላበቱ ምህላዎም ዘመልከቱ ካልኦት ወገናት ድማ፣ ገሊኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምቕጻል ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣውቶቡስ ቀንፈዘው ክብሉ ይርኣዩ ምህላዎም ጠቒሶም።

ኣብ ጎንደር፣ ንኩነታቶም ዝከታተል ኣካል መንግስቲ ይኹን ሕቡራት ሃገራት ብዘይምህላዉ፣ እቶም ኤርትራውያን ንማሕበራዊ ሕሰም ተቓሊዖም’ዮም ዝርከቡ።

ኣብታ ከተማ ገዛ ንምክራይ ክሳብ 1500 ብር’ውን ስለዝሕተቱ፣ ግዝያዊ መንበሪ ቤት ተኻርዮም ንምጽናሕ’ውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ይኹን’ምበር ገሊኦም ብጉጅለ ብምዃን ብደላሉ ግዝያዊ ዘጽንሖም ኣባይቲ ንምክራይ ላዕለን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ።

ክሃድሙ ዘይክኣሉ፣ ቆልዑ ዘለዎም ስድራቤታት፣ ኣረጋውያንን ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ኤርትራውያን ነበርቲ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ፣ ክሳብ እዚ እዋን ኣብቲ መዓስከር’ዮም ዘለዉ።

ነቲ ከባቢ ተቖጻጺረዮ’የ ዝብል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ውሕስነት ናይቲ መዓስከር ከረጋጋጽ ብዘይምኽኣሉ፣ ብዕጡቓትን ሚሊሻን ብቀጻሊ ዝምታን ምፍርራሕን ይወርዶም ምህላዎም’ዮም ዝገልጹ።

ኣብቲ መዓስከር ንዘሎ ኩነታት ንምፍላጥ ንሓደ ካብ ነበርቲ ተወኪስና’ዮ ኣሎና። ኣብ ታሕቲ ስምዑ።

 

=============