UNHCR፣ ኣብ ትግራይ ናብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ክበጽሓሉ ዝኽእል መንገዲ ክኽፈተሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲቱ

Radio Erena: 04 December 2020

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፣ ኣብ ትግራይ ናብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ክበጽሓሉ ዝኽእል መንገዲ ክኽፈተሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲቱ።

ኣፈኛ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ባባር ባሎሽ፣ ካብ ጀኔቫ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ፣ ብዘይ መግቢ፣ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኣስታት 96 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብህጹጽ ዝሕገዝሉ መንገዲ ኣብ ምንዳይ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብዘይ እኹል መግብን ማይን፣ ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቒሮም ይርከቡ።

ካብኡ ዝበኣሰ፣ ድሕነት ጸጥታኦም ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ብምህላዉ፣ ዕጡቓት ናብቲ መዓስከራት ከም ድላዮም እናኣተዉ፣ ዝደለይዎ ይግበሩ ምህላዎም እቶም ስደተኛታት ይገልጹ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽባጻሕ፣ ምስ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሳልስቲ ስምምዕ ኸቲሙ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ መስርሕ መዓስ ከምዝጅምርን ኣበየናይ ከባቢታት ብዝያዳ ከምዘተኩርን ብዝርዝር ኣይተጠቕሰን።

==============