መ.ኤርትራ ብዝዕድሎ ዘሎ ብረት ኤርትራውያን ሕቶ የቕርቡ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ክሳብ 70 ዓመት ንዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮን 40 ዓመት ንዝዕድሚኤን ደቂንስትዮን ጠበናጁ ናይ ምዕጣቕ መስርሕ ብዝልዓለ ኣብ ዝደፍኣሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ ምኽንያት እዚ ንኩሉ ኣርሚሙ ዘሎ ስጉምቲ መብርሂ ክወሃቦም ናብ ኤምባሲታት ይሓቱ ምህላዎም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሬድዮ ኤረና ዝተላእከላን ሓበሬታ የመልክት።
እዚ ኣብ ወሽጢ ዓድን ኣብ ወጻእን ንዝርከቡ ዜጋታት ኣሻቒሉ ዘሎ፣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዘይተራእየ ኣረጋውያን፣ ስንኩላን፣ ኣሳሰይቲ…ወዘተ ከይተረፈ ጠበንጃ ንምዕጣቕ ዘገድድ ዘሎ ስጉምቲ እንታይ’ዩ? ክብሉ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ሽወደንን ኣመሪካን ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ፣ ናብ ኤምባሲታት ሕቶታት ከምዘቕረቡ’ዩ ዝሕበር።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ካብታ መዓልታዊ ብኩፖን እትዕደሎ ሓንቲ ባኒ ንላዕሊ ዓጢቕዎ ዘሎ ጠበንጃ ይበዝሕ ምስ ምህላዉ፣ መንግስቲ ብዛዕባ መጻኢ ድሕነት ዜጋታት የሻቕል ምህላዉ ብተደጋጋሚ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።
ኣብ የመንን ሶማልን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ዘሎ ብረት ንዜጋታተን ብሰላምን ጸጥታን ንኸይነብሩ ውሕስነት ከሊእዎም ከምዘሎ ከም ኣብነት ዝጠቐሱ ሓደ ሓደ ወገናት ድማ፣ መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ መግብን ካልኡ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓገዝን እናተጸበየ እልቢ ዘይብሉ ብረት ነናብ ገዝኡ ክጓርት ምግዳዱ፣ ንመጻኢ ዘይምሕላይ’ዩ ክብሉ ይነቕፍዎ ኣለዎ።
ከባቢኹም ምሕላው ብዝብል ምስ ንኣረጋውያን ሞጣቕ ዝጀመረ መስርሕ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኩሉ ብረት ክሕዝ ዝክእል ብዘይኣፈላላይ ዕመን ጾታን ወሪዱ ምስ ምህላዉ፣ ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑን’ውን ትምህርትክUም ኣብ ሳዋ ትቕዝልዎ እናተባሉ ናብ ዊዓን ክሌማን ክወርዱ ይግደዱ ምህላዎም’ዩ ዝሕበር።
እዚ ተርእዮ’ዚ ምስቲ መራሒ ስርዓት ደርግን ነበረ መንግስቱ ሃይለመርያምን ሞዓመር ቐዛፊ ናይ ሊብያን፣ ኣብ መወዳእታ ዘመነ ስልጣኖም መላእ ህዝቢ ህዝቢ ብረት ዓጢቝ ሕንፍሽፍሽ ንኽፈጥር፣ ብወግዒ እልቢ ዘይብሉ ብረት ዝዓደልሉ እዋናት ከምዝመሳሰል ዝሓበሩ ካልኦት ወገናት ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብዕላምኡ ንጹር ብዘይኮነ ምኽንያት በስገዳድ እልቢ ዘይብሉ ጠበናጁ ይዕደሎ እኳ እንተሎ፣ ከም ቀደሙ ኣብ ፍቕርን ሓድነትን ኣሚኑ ነዚ ገጢምዎ ዘሎ ዝኸፍአ ዘመን ብሰለማዊ መንገዲ ዝሰግረሉ ኣገባብ ንምንዳይ ብምስጢር እሂን ምሂን ክበሃሃል ተማሕጺኖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0