ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ደጊሙ ጸዊዑ

Radio Erena: 09 October 2020

ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናይ ኤርትራን ሽወደንን ድርብ ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ደጊሙ ጸዊዑ።

እቲ ን27 ሃገራት ኤውሮጳ ዝወከለ ፓርላማ፣ ነዚ ዝጸውዐ፣ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ኑኳራጓን ስዑዲ ዓረብን ኣመልኪቱ ትማሊ ሓሙስ 08 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ኤርትራ፣ ካብ 2001 ኣትሒዞም ዝተኣስሩ ሓያሎ ኤርትራውያንን ናይ ኤውሮጳ ዜግነት ዘለዎ ዳዊት ኢሳቕን፣ ዛጊት ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ዘተሓሳሰብ ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ እምነትን ሃይማኖታትን፣ ሓሳባት ብናጻ ምግላጽን ካልእን ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰብ ብትሪ ኮኒኑ።

መሻርኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብታ ኣባሉ ዝኾነት ኤርትራ ምንጋስ ደሞክራሲን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ንኽህሉ ጻዕርታት ክገብር ተላብዩ።

እቲ ፓርላማ፣ ነዚ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ሓሳብ፣ ናይ 663 ኣባላቱ ደገፍ ክረክብ እንከሎ፣ 19 ተቓውምኦም ኣስሚዖም።

13 ኣባላት ፓርላማ ድማ ናይ ደገፍ ይኹን ናይ ተቓውሞ ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም።

===========