ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ደጊሙ ጸዊዑ

Radio Erena: 09 October 2020

ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናይ ኤርትራን ሽወደንን ድርብ ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ደጊሙ ጸዊዑ።

እቲ ን27 ሃገራት ኤውሮጳ ዝወከለ ፓርላማ፣ ነዚ ዝጸውዐ፣ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ኑኳራጓን ስዑዲ ዓረብን ኣመልኪቱ ትማሊ ሓሙስ 08 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ኤርትራ፣ ካብ 2001 ኣትሒዞም ዝተኣስሩ ሓያሎ ኤርትራውያንን ናይ ኤውሮጳ ዜግነት ዘለዎ ዳዊት ኢሳቕን፣ ዛጊት ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ዘተሓሳሰብ ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ እምነትን ሃይማኖታትን፣ ሓሳባት ብናጻ ምግላጽን ካልእን ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰብ ብትሪ ኮኒኑ።

መሻርኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብታ ኣባሉ ዝኾነት ኤርትራ ምንጋስ ደሞክራሲን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ንኽህሉ ጻዕርታት ክገብር ተላብዩ።

እቲ ፓርላማ፣ ነዚ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ሓሳብ፣ ናይ 663 ኣባላቱ ደገፍ ክረክብ እንከሎ፣ 19 ተቓውምኦም ኣስሚዖም።

13 ኣባላት ፓርላማ ድማ ናይ ደገፍ ይኹን ናይ ተቓውሞ ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪኤል ኢሳቕ 4 years ago

    እንታይ ኣእተዎም ብዛዕባ ኤርትራ፡
    ዳዊት ኢሳቕ ድማ ኤርትራ ብኤርትራውነቱ እያ ትፈልጦ እምበር በቲ በብሽጣራኻ ትልቅቦ ዜግነቱ ኣይትፈልጦን’ያ።
    ድሓር ድማ፡ እዚ ተዛሪቡ ትብልዎ ዘለኹም ማሕበር ሃገራት ኣውሮጳ፡ ዳዊት ኢሳቕ ይኹን ካልኦት ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣትዉ ጥራይ ክንደይ ግዜ ንኤርትራ ሓገዝ ሂቡ’ሎ። ሕጂ እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ?
    ድሓር ድማ ዳዊት ይፈታሕ፡ ክስቶ ይፈታሕ ኢሎም ንሓንቲ ብስውኣት ዝተረኽበት ሉኣላዊት ሃገር ኤርትራ፡ ክእዝዝዋ ዝፍትኑስ መን ኮይኖም እዮም ባዕሎም ኣብ ኣውሮጳ ኮይኖም ፍርዶም ዝህቡልና።
    ኤርትራ ቀይዳቶም፡ ኤርትራ ድማ ትፈርዶም። በቃ። ካብኡ ብዝተረፈ ፈራዕ ፈራዕ ናይ ኣውሮጳ ኣይኮነን ናይ በዓል እሜሪካ ከማን ኣየንበርከኸናን።