ወሰኽ ዋጋ ቢራ ካብ ዋጋታት ባንን ጸባን ንላዕሊ ኣብ ጋ.ሓ.ኤርትራ ይዝረበሉ ምህላዉ ተነቒፉ

ወሰኽ ዋጋ ቢራ ካብ ዋጋታት ባንን ጸባን ንላዕሊ ኣብ ጋ.ሓ.ኤርትራ ይዝረበሉ ምህላዉ ተነቒፉ

Radio Erena: 15 October, 2014

Hadas Er

እኹል ጸባን ባኒን ኣብ ዘይተረኽባ ከተማ ኣስመራ ወሰኽ ዋጋ ቢራ ዝልዓለ መዘራረቢ ክኸውን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ደጋጊሙ ምቅልሑ፣ ሚኒስትሪ ዜና ካብ ኣውራ ጉዳያት ንምህዳም ዝኽተሎ ዘሎ ሜላ ምዃኑ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ሰማዕቲ ገሊጾም።

ህዝቢ ርእይቶኡ ብናጻ ክህብ እንተዝፍቀዶ፣ ካብ ወሰኽ ዋጋ ቢራ ንላዕሊ ካልኦት ክዛረበሎም ዝደሊ ማሕበራዊ ሕሰም ከምዘለዉ ዘመልከቱ እቶም ሰማዕቲ፣ በንጻር እዚ ግን፣ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ ደብዳቤታት ኣንበብቲ እቲ ብተደጋጋምን ዝበዝሐ እዋንን ሸፈነ ዝተዋህቦ፣ ብዛዕባ ወሰኽ ዋጋ ቢራ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ቢራ ብ11 ናቕፋን 50 ሳንቲምን ተኸፋፊሉ ኣብ ባራት ከኣ ብ14 ናቕፋ ክሽየጥ ብመንግስቲ ዝተኣወጀ እኳ እንተኾነ፣ ወነንቲ ባራት ካብ 30 ክሳብ 50 ናቕፋ ይሸጥዎ ኣለዉ ዝብል’ዩ ዝበዝሐ እቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ደብዳቤታት ኣንበብቲ ዝቐረብ ርእይቶታት።

 

በንጻር እዚ ግና ንሓደ ሊትሮ ጸባ ንሱ’ውን እንተተረኺቡ ካብ 25 ናቕፋ ዝሽየጠሉ እዋነት ከምዘሎ፣ ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ’ውን ብቦጣት እኹል ዝስተ ማይ ከምዘይረኸበን’ውን እቶም ሰማዕቲ ኣዘኻኺሮም።

ንሓንቲ ባኒ’ውን ክሳብ 3 ናቕፋ ትሽየጥ ምህላዋ ብምጥቃስ ከኣ፣ ቆልዑ እኹል ባኒን ጸባን ዘይምርካቦም ንጎኒ ተጎስዩ፣ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብቲ ተረፍ ጽጋብ ከብዶም ርኹባት ዝሰትዮዎ ቢራ ክንድዚ ኣተኩሮ ምሃባ ዓገብ’ዩ ክብሉ ነቒፎም ።
===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0