ኤርትራ ብስእነት መግቢ ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ካብ ዝርከባ 16 ሃገራት ዓለም ሓንቲ ምዃና ተገሊጹ

ኤርትራ ብስእነት መግቢ ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ካብ ዝርከባ 16 ሃገራት ዓለም ሓንቲ ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 15 October, 2014

Hunger INdex

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብስእነት መግቢ ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ዝርከባ 16 ሃገራት ዓለም ምዃና ዓመታዊ ዝዳሎ ግሎባዊ ዝርዝር ጥሜት ናይ ዘንጸላለወን ሃገራት ኣመልኪቱ።

እቲ ብሰኑይ 13 ጥቕምቲ ዝተረዝግሐ ዝርዝር ናይ 2014፣ እታ ብስእነት መግቢ ኣብ ኣሻቓሊ እትርከብ ቀዳመይቲ ሃገራር ብሩንዲ ምዃና ክሕብር እንከሎ ኤርትራ ከኣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሰሪዑዋ ኣሎ።

ንኤርትራ ተኸቲለን ከኣ ምብራቕ ቲሞርን ኮሞሮስን ተሰሪዐን ይርከባ።

 

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 805 ሚልዮን ሰባት ስእነት መግቢ ኣንጸላልይዎም ኣሎ።

ካብዚኣቶም መብዛሕቶም ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከቡ’ዮም።

ኤርትራ ብርኡይ ስእነት መሰረታዊ መግብታት ኣጋጢሙዋ እኳ እንተሎ፣ ክሳብ ብደረጃ ዓለም ኣብ ካልኣይ ዘስርዓ ስእነት መግቢ ተኸሲቱ ምህላዉ ግና እኹል እቲ ናይ 2014 ጸብጻብ ግሎባዊ መሐበሪ መርትዖታት ከቕርብ ኣይከኣለን።

ኣብ ኤርትራ፣ ከም ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ዝኣመሰላ መጽናዕታት ዘካይዳ ኣህጉራውያን ትካላት ብዘይምህላወን፣ ብዛዕባ ኤርትራ ዝወሃብ ትንታነታት ማሕበረ ቁጠባዊ ግምታዊ’ዩ።

=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0