UPDATED: ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ቤን ዓሚር ኑባን ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 30 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 11 August 2020

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ቤን ዓሚርን ኑባን ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 30 ሰባት ከምዝተቐትሉን 10ታት ድማ ከምዝቖሰሉን ኮሚተ ሓካይም ናይቲ ዞባ ሓቢሮም።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭት፣ ተወላዶ ኮርዶፋን ዝኾኑ ካብ ቀቢላ ኑባ፣ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ እዋን’ዩ ተወሊዑ።

ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ሰልማዊ ሰልፊ ንምብታን ተዅሲ እኳ እንተኸፈቱ፣ ካብ ቀቢላ ቤን ዓሚር ዝኾኑ ጉጅለታት ነቲ ኵነታት ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ዓሌት ኑባ መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ስደት ዝርከባ ማዕከናት ዜናን ኣቃሊሐን።

ድሕሪ’ዚ ግጭት፣ መንግስቲ ድሕነት ኑባውያን ክሕሉ፣ ኣብ ካርቱም ካልእ ከባቢታትን ዝርከቡ ተወላዶ ኑባ ሰለማዊ ሰልፍታት ከምዘካየዱ’ውን እተን ሜድያታት ሓቢረን።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ቀቢላታት ቤጃ፣ ቢን ዓምር፣ ራሻይዳን ኑባን ተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ከምዝጎሃሃር ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሱዳን ኣብዚ ሳልሳቲ’ዚ ዝወረደ ሓያል ዝናብን ዝፈጠሮ ዕልቕልቕን ህይወት 20 ሰባት ከምወሰደ ተሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ኣብዚ ክራማት ብዝወርድ ዘሎ ሓያል ዝናብ፣ ሓደ ዲጋ ክፍርሻሕ እንከሎ፣ ዛጊት ብድምር ልዕሊ 35 ሰባት ሞይቶም። ኣስታት 7 ሽሕ ኣባይቲ ብምፍራሱ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ድማ ተመዛቢሎም።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0