ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ስዑዲ፣ ናብ የመን ዝጓዓዙ ዝነበሩ 250 የመናውያን፣ ኣብ ጂቡቲ ጠንጢንዎም

Radio Erena: 10 August 2020

ናይ መጓዓዝያ ነፋርሪት፣ መንገዲ ኣየር ኣል ሳይፍ ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጂቡቲ ክወርዱ ዘገደደቶም 250 የመናውያን ተጓዓዝቲ፣ ናብ ዓዶም ክፋነወ ሓገዝ ይሓቱ ከምዘለዉ ንክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ብምጥቃስ ሚድል ኢስት ሞኒተር ገሊጹ።

እቶ የመናውያን፣ ኣብ ዞባ ሓድራሞት ናብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ክዓልቡ እናተጸበዩ፣ እታ ነፋሪት ኣብ ጂቡቲ ብህጹጽ ክዓልቡ ብምግዳድ’ያ ጠንጢናቶም ተዓዚራ።

እቲ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ኣብዚ ኣዋን’ዚ ኣብ ሆቴላት ፋሕ ኢሊም ዝርከቡ እቶም ተጓዓዝቲ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ የመንን ኣብ ጂቡቶ ዝርከብ ኤምባሲ የመንን፣ ጉዳዮም ክከታትሉን ካብቲ መንገዲ ኣየር ካሕሳ ክሓተሎምን ተላብዮም።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0