ሞቛዲሹ፣ ብርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 8 ወትሃደራት ተቐቲሎም

Radio Erena: 10 August 2020

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛዲሹ፣ ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ብዝተፈጸመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 8 ወትሃደራዊ መግግስቲ ተቐቲሎም።

በቲ ብ8 ነሓሰ፣ ወጋሕታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ከቢድ መቑሰልቲ ዝበጽሖም ከምዘለዉ ዘመልከተ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኮለነል ኣሕመድ ዓሊ፣ ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል ገሊጹ።

እቲ ኣብ መኪና ነታጕ ብምጽዋድ፣ ኣብ ጥቃ’ቲ ዝሓለፈ ቅንያት ዳግማይ ዝተኸፍተ ስታድዮም ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣልሸባብ ከምዝፈጸሞ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ከባቢ ክሳብ 2011 ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣልሸባብ ዝነበረ’ዩ።

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ፣ ብሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝተደገፉ ሓይልታት መንግስቲ ሶማል ተደፊኡ ናብ ካልኦት ሓውስቲ ከተማታትን ቁሸታትን ክብተን እኳ እንተኸኣለ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዳግም ብምውዳብ መጥቃዕታቱ ኣዛይዱ ይርከብ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0