ኣብ ሱዳን ሰሜናዊ ክፋል ኡምዱርማን፣ 28 ሰባት ዝተቐብሩሉ ጋህሲ ተረኺቡ

Radio Erena: 26 July 2020

ኣብ ሱዳን ሰሜናዊ ክፋል ኡምዱርማን፣ 28 ሰባት ዝተቐብሩሉ ጋህሲ ተረኺቡ።

ኣኽባር ሕጊ’ታ ሃገር ብዓርቢ 24 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቶም ብሓንሳብ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢሮም ዝተረኽቡ ሰባት፣ ኣብ 1990 ዝተቐትሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዓመት’ቲ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተወደበ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተኻዪዱ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብቲ እዋን፣ ብውሑዱ 30 ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ከምዝተቐትሉ’ዩ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ምዕላው ስርዓት ኣልበሽር ጥራይ ሰባት ብጃምላ ዝተቐብሩሉ ጋህስታት ክርከብ፣ እዚ ንሳልሳይ እዋን እዩ። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ምብራቕ ከተማ ካርቱም፣ ካብ ታዕሊም ክሃድሙ ፈቲኖም ዝተባህሉ ወተሃደራት ብጃምላ ዝተቐብሩሉ ጋህሲ ተረኺቡ’ዩ።

እቲ ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ተረኺቡ ዘሎ ጋህሲ፣ 23 ሰብ ሞያ ተዋፊሮምሉ ጽዑቕ መጽናዕቲ ይካየደሉ ከምዘሎን፣ ብዕጡቕ ሰራዊት ሱዳንን ፍሉይ ዕጡቕ ሓይልን ሓለዋ ይካየደሉ ከምዘሎን ተገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0