ኡጋንዳ፣ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተዓቖብሉ መዓስከር ናይ ዓሌት ግጭት ተጎሃሂሩ

Radio Erena: 21 July 2020

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኡጋንዳ፣ ዞባ ኦቦንጊ፣ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተዓቝቦም ዘለዉ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን፣ ብዘካየድዎ ናይ ዓሌት ግጭት ብውሕዱ 3 ክቕተሉ እንከለዉ ሽዱሽተ ድማ ከምዝቖሰሉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብ19 ሓምለ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ካብ 13 ሓምለ ኣትሒዙ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ግጭት፣ ልዕሊ 280 መጽለሊታት ተቓጺሉ።

እቲ ግጭት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብተዛማዲ ሃዲኡ እኳ እንተሎ፣ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ወጥሪ ሰፊኑ ምህላዉ እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።

ዳማ ካብ ዝተባህለት ቁሸት፣ ኣእካል ተሰሪቑ ድሕሪ ምሕዳሩ፣ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ግጭት ከምዝተጎሃሃረ’ዩ ተሓቢሩ።

ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ኣስታት 780 ስድራቤታት ናብ ግዝያዊ መጽንሒ ተወሲዶም ኣለዉ።

80% ካብኣቶም ቆልዑ’ዮም።

ኣብ ኡጋንዳ፣ መብዛሕቶም ካብ ደቡብ ሱዳን ዝመጹ 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን’ውን ብብዝሒ ተሰዲዶም ኣብ ከተማ ካምፓላ ከምዝነብኡ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0